SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ Podcast By SBS cover art

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

By: SBS
Listen for free

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።Copyright 2025, Special Broadcasting Services Politics & Government Social Sciences
Episodes
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026)
    Apr 9 2026
    ን ሎሚ ሓሙስ 09 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ፈለማ ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ኣይላንደርን ጥንታዊያን ወነንቲ ነዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ባህላውያን ወነንቱ ምዃኖም ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ በዚ ድማ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መ፡በርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ሓድሽ ርኽበታት ወርሒ ብጠፈርተኛታት ኣርጢሜስ ክልተ፡ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ትሕዝቶ ምስ ተሰምዐ፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ሹመት ፕረዚደንት ትግራይ ጄ/ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ተመያይጡ። መበል 4ይ ጉባኤ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። "ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ግቡእን ሓቛፍን ክኸውን ይግባእ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 3 ሰበ-ሞያ ጥዕና ከምዝተቐተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ትካል ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ብ60 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ኣፍሊጡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጉሌ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ይሸባሸብ ኣሎ ተባሂሉ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ከም ዝዓጸወቶ ተፈሊጡ ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ኲናት ንሓጺር እዋን ደው እኳ እንተ በለ ፡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽጎድል ንኣዋርሕ ክጽበዩ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ዶክተራት መጠን ክታበት ብምጉዳሉ ኣውስትራሊያ ካልእ ኣገዳሲ ወቕቲ ሰዓል ከይተዳለወት ተሪፋ ኣላ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
    Show more Show less
    53 mins
  • "ዓላማ ቤተ ክርስትያን፡ መንፈሳዊ ሓርነትን ሓቅን ክትሰብኽ ከምኡ'ውን ምህናጽ ወለዶን'ዩ።" ቃለ መሕትት ምስ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ
    Apr 9 2026
    ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ።
    Show more Show less
    27 mins
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026)
    Apr 9 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ከም ዝዓጸወቶ ተፈሊጡ ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ኲናት ንሓጺር እዋን ደው እኳ እንተ በለ ፡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽጎድል ንኣዋርሕ ክጽበዩ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ዶክተራት መጠን ክታበት ብምጉዳሉ ኣውስትራሊያ ካልእ ኣገዳሲ ወቕቲ ሰዓል ከይተዳለወት ተሪፋ ኣላ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
    Show more Show less
    9 mins
No reviews yet